
07 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ኮ.መ.ጀ.ት
ኮ.መ.ጀ.ት መከራ ተመዛበልቲ ትግራይ፡ ፍሉይ መፅናዕታዊ ሪፖርት (The Plight of Internally Displaced Persons (IDPs) in Tigray: A Special Assessment Report) ብዝብል ርእሲ ዘዳለዎ ፍሉይ መፅናዕቲ ዕላዊ ዝገብረሉ ዋዕላ፣ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መቐለ ሆቴል ኣኽሱም ተሳሊጡ።
ም/ኮሚሽነር ዶ/ር ኣለምፀሃይ ፀጋይ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መደረ ዘስምዓ እንትኾና፣ ብምቕፃል ኣብዚ ዋዕላ ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥራሕ ዘሎ ቦታታት ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ተመዛባላይ ይኹን ኣብኡ ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ኣብ ሕሱም መከራን ስቓይን እዩ ዘሎ ኢሎም። እዚ ስቓይን መከራን ተመዛበልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ትኹረት ክወሃቦን ኣብ ምግባር ከምዚ ዓይነት መፅናዕቲ ምቕራብ ዓብይ ግደ ኣለዎ፣ ኮ.መ.ጀ.ት ዘሳልጦም ዘልው መፅናዕታታት እናወደአ ከምዝርከብን ክምስገን ዝግብኦን ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም።



ቐፂሉ፣ ናይቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ውፅኢት ብኽልተ ኽፋል ብላዕለዎት ተመራመርቲ ሕጊ ብገብረመስቀል ሃይሉን ብርሃነ ገ/ሔርን ብዝርዝር ፅሑፋት ቀሪቦም እዮም። ብምቕፃል፣ ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ኣብ ቀንዲ መዛተይ ነጥብታትን ኣብ ተመዛበልቲ ዘሎ መከራ ንዓለም ማሕበረሰብ እናጋዋሕና ፅዕንቶ እንፈጥረሉ ስራሕቲታት ተሓላቕነትን (advocacy) ዝምልከት ብፍላይ ንኣካላት ሚድያ ብሓፈሻ ድማ ንተሳተፍቲ፣ መንግስትን ህዝብን ተሓባቢርና ክንሰርሕ ከምዝግባእ መልእኽትን ለበዋታትን ብፅሑፍ ኣቕሪቡ።
ነቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ እታወት ክኾኑ ዝኽእሉን ሓፈሻዊ ርእይቶታት ካብ ተሳፍቲ ዝቐረቡ እንትኾን፣ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ድማ ካብ ፅሑፋት መቕረብትን ካብ ኮሚሽንን መብርሂ ተዋሂቡ።
እዚ ፉሉይ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ብዕሊ ሪፖርት ወፂኡ ንማሕበረስብ ዓለምን ሚድያታትን ከምዝዝርጋሕ ‘ውን ኣብዚ መድረኽ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዋዕላ ንፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ፣ ሓለፍቲ ቢሮታትን ኣብያት ዕዮታትን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ሚድያታትን ተረኺቦም እዮም።
OK ur rights