
መቐለ፣ 13 መስከረም 2018ዓ.ም፣ ኮ.መ.ጀ.ት
ኣብ ኮ.መ.ጀ.ት ካብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ማእኸላት መፅናዕቲ ፣ ኣርባዕተ ማእኸላት (Social services and values, Natural Resources and Environment, Economy, and Infrastructure) ኣብ ውሽጢ እቶም ማእኸላት መፅናዕቲ ብዘለው ሕድሕድ ሴክተራት ዝተዳለውን ናብ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑን ውፅኢታት መፅናዕቲ ሪፖርት ቅድሚ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ምግባሮም ውሽጣዊ ገምጋም (internal review) ንምክያድ ዕለት 10ን 12ን መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መቐለ ዎርክሾፕ ተሳሊጡ።
በዚ መሰረት፣ ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ጉድኣት ማሕበራዊ ግልጋሎታትን ክብርታትን ዘለው ኣረባዕተ ሴክተራት፣ Health, Education, Cultural Heritage and Values, and Social Welfare Organizations፣
ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ጉድኣት ትሕተ-ቕርፂ (Infrastructure) ዘለው ሓሙሽተ ሴክተራት፣ WASH, Transport, Municipality, Energy, Media, Telecommunication and ICT ፣
ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ጉድኣት ኢኮኖሚ ዘለው ሸውዓተ ሴክተራት፣ Household, Agriculture, Trade, Service, Finance, Manufacturing, and Governance ፣
ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ጉድኣት ሃፍቲ ተፈጥሮን ከባብን ዘለው ሓሙሽተ ሴክተራት፣ Soil and Water Resources, Forest, Wildlife and Ecotourism, Livestock and Crop, and Environment and Waste Management ፣ ብኣጠቓላሊ ናይ 21 ሴክተራት ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዛዘሙ ሪፖርትታት ቐሪቦም።
ኣብቶም ዝቐረቡ ሪፖርትታት መሰረት በምግባር ምይይጥ ዝተሳለጠ ኾይኑ፣ ነቶም ሪፖርትታት እታዎታት ክኾኑ ዝኽእሉ ካብ ተሳተፍቲ ጠቐምቲ ሪእቶታት ተዋሂቦም። እቶም ሪፖርትታት ኣብ ቀረባ እዋን ብኮሚሽን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበሩ ተሓቢሩ።
ብማእኸል መፅናዕቲ ሰብኣዊ ጉድኣትን ፆታዊ ጥቕዓትን ዝተዳለው ሪፖርትታት ‘ውን ብተመሳሳሊ እናተዛዘሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
