
17 ጥቅምቲ 2025
ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ፡ኣብቲ ክልል ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቝፀራ ደቀንስትዮ፡ ፆታዊ ዓመፅን ጊላነትን ዝርከቦ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ኣመልኪቱ።
እቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሸ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወታት ዝስንድ ኮሚሽን፡ ኣብ ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ፡ እቶም ጾታዊ ዓመጻት፡ ኣንጻር ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣውነትን ምዃኖም ይጠቅስ።
“እዞም መጥቃዕትታት ኰነ ተባሂሎም ዝተፈፀሙን ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረጕ’ዮም፡” ይብል እቲ ብሓሙስ 6 ጥቅምቲ 2018(ግ) ዝወጽአ ጸብጻብ።
እቲ ደማዊ ኲናት ብ2022፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራፅ ተፃብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።
ቅድም ኢሎም ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘውፃኡዎም ፀብፃባት፡ ኵሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ተራፀምቲ ወገናት፡ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝግሃሱን ገሊኦም ድማ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ክዳረጕ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጦም ነይሮም። Read more…