ጋዜጣዊ መግለፂ ዝኽሪ ግዳያት ጀኖሳይድ፣ ፃውዒት ፍትሕን ምክልኻልን ፅንተትን ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ጀኖሳይድ

co

ዓለም፣ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም “ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽርን ክብርን ግዳያት ጀኖሳይድ“ ኣብ ዘኽበረሉ ዘሎ እዋን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ “ዘበት ከይድገም” ዝብል መብፅዓ ከኽብር ዘይምኽኣሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ክፍፀም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ሎሚ ነዚ ሓቂ ብምድጋፍን ሱቕ ብዘይምባልን ንግዳያት ጀኖሳይድ ትግራይ ንዝክር።

ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም ከምዝፈለመ ይፍለጥ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ፣ ጀኖሳይዳዊ ተግባራት ምፍፃሞም ዘረጋግፁ ሰፋሕቲ መረዳእታት ሰኒዱ እዩ። ሰፋሕቲ ጅምላ ቅትለታት፣ ፆታን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን፣ ግዱድ ምምዝባል፣ ከምኡ ውን ኮነ ኢልካ ንመነባብሮ መሰረት ዝኾኑ መንገዲታት ምዕፃዉ ዘካተቱ ገበናት ተፈፂሞም እዮም።

ብመሰረት ሪፖርት ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ካብተን ምላሽ ዝሃባ 481, 201 ደቂ ኣንስትዮ እተን 286,250 እንተውሓደ ሓደ ዓይነት ፆታን ፆታ መሰረት ዝገበረን ጥቕዓት በፂሕወን እዩ። ካብተን 286,250 ደቂ ኣንስትዮ ድማ እተን 152,108 ማለት ዉን 53.14% ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን እየን። ካብተን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን እተን 70% ድማ በቶም ፈፀምቲ ገበን ናይ ጉጅለኣዊ ዓመፅ(gang rape) ከም ዝበፅሐን ሪፖርት ዝገበራ እየን። ካብኣተን እተን 975 ብኬሚካል ዝተቃፀላ እንትኾና፣ እተን 529 ድማ ኣብ እዋን ጥቕዓት ዝተቐተላ እየን።  ብኻሊእ ገፅ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰላማውያን ተጋሩ ኮነ ተባሂሉ ብጭካነ መቕተልቲ፣ መጉዳእቲ ኣካል፣ ምምዝባልን ስቅያትን ኣጋጢምዎም እዩ። ሚልዮናት ተጋሩ ድማ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ማእከላት ኮይኖም ከርፋሕ ናብራ እናሕለፉ፣ ብውሑስን ብክብርን ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ ግዜ ይፅበዩ ኣለዉ።

ዋላ እኳ ኣብ ሕዳር 2022 ብዝተገብረ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ስዒቡ ንጡፍ ውግእ ደው እንተበለ፣ ኣንፃር ተመዛበልቲ ዘቅነዐ ስርዓታዊ ክልከላ መንገዲ መነባብሮ ሐዚ ውን ይቅፅል ኣሎ።  ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ጥዕና፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣናእሽትን ዓበይትን ትካላት ንግዲ፣ ናይ ህዝቢ መሰረት ልምዓት፣ መሰረታዊ መሳርሕታት ገዛ … ወዘተ ኮነ ተባሂሉ ዓንዮም እዮም።  ብመንፅር ገንዘባዊ ዋጋ ብድምር ከባቢ 146 ቢልዮን ዶላር ዕንወትን ክሳራን ተመዝጊቡ ኣሎ። ከምዚ ዝበለ ዝተዋደደ ስርዓታዊ ዕንወት፣ ናይ ምንባር መንገድታት ንምኽልካል ተባሂሉ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ንምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።  

በዚ ኣጋጣሚ ምስ ኣህጉራዊ ግዴታታት ዝሰማማዕ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ንፅውዕ። ናይ ብሓቂ ነፃነቱ ዝሓለወን ግዳይ ማእኸል ዝገበረን መስርሕ ፍትሒ ንምርግጋፅ ተሓታትነት ገበናት ግፍዒ ዘለዎ ኣገዳስነት ልዑል እዩ። ከብ’ዚ ብተወሳኺ፣ ምርግጋፅ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ምስላጥ ዳግመ ህንፀት ካብቶም ትኹረት ዝጠልቡ ነገራት ገሊኦም እዮም። ልዕሊ ኩሉ ግና፣ ኣብ ፍቓድ  ተመዛበልቲ ወገናት መሰረት ዝገበረ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ተግባር እዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም “ዘበት ከይድገም” ክብል ዝኣተዎ ቃል ኣብ ግብሪ ከውዕል ንላቦ። ተቓላዕቲ ክፋላት ማሕበረሰብ ንምሕላውን መሰል ህዝቢ ትግራይ ንምኽባርን ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስጉምትታት ክውሰድ’ውን ንጠልብ።

ኣብ’ዚ መዓልቲ ፀረ ምፅናት ዓሌት ኣብ እነኽብረሉ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ዝኽሪ ናብ ተግባር ክመርሕ ደጊምና ንፅውዕ። ህዝቢ ትግራይ ሓቂ፣ ፍትሒ፣ ርትዕን ክነግስን ሰብኣዊ ክብሩ ክሕለወሉን ይጠልብ። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት ጀኖሳይድ ከየጋጥም ንከላኸል ዝብል ቃል ንምንታይ ከምዝፈሸለ ብምግምጋምን “ዘበት ከይድገም” ዝብል ቃል ናብ ተግባር ዝሽረፍ ቃል እምበር ሐዚ’ውን ናይ ጣዕሳ ቃል ከይኸውን ንምርግጋፅን ሓባራዊ ቆራፅነትና ነሐይል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *