
ብኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ የማነ ዘርኣይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ዕለት 29 መስከረም 2018ዓ.ም. ኣብ ወረዳ ሱበሓ ሳዕስዕ፣ ጣብያ በለሶ፣ ቁሸት ማርያም ደንገላት ተረኺቡ ኣብ ዕቀባ ጅምላ መቓብራት ግዳያት ጀኖሳይድ ኣመልኪቱ ምስ ቤተሰብ ግዳያትን ኣመራርሓን ተዛትዩ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ግዳያት ቤተሰብ ዓስከሬን ተላዒሉ ብኽብሪ ክቕበር ሕቶ ዘልዓሉ እንትኾኑ፣ ንኮሚሽነር ሓዊሱ ምስቲ ልኡኽ ጉጅለ ዝተጉዓዙ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ታሕሳስ 2016ዓ.ም. ኣብ “ምእካብን ምዕቃብን ቁሳዊ መረዳእታታት ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ” ብዝወፀ መምርሒ መሰረት ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝግባእ መብርሂ ዝሃቡ እንትኾን ምስዚ ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ድማ እቲ ኮሚሽን ምስ ነበርቲ፣ ግዳያት ቤተሰብ፣ ኣመራርሓ ወረዳ፣ ጣብያን ቁሸትን ብምዃን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንክፍትሑ ኣድላዪ ዘበለ ምትሕብባር ከምዝገብር ሓቢሩ እዩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ጅምላ መቓብራት ብሸለልተኝነትን ብዘይፍቓድን ክልዓሉ ከምዘይብሎም ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቁሸት ማርያም ደንገላት ዝርከቡ ጅምላ መቓብራት ብኣካል ዝተዓዘበ እትኾን፣ ምስዚ ተኣሳሱሩ ኣብ ባይታ ወሪድኻ እንትረአ ብዙሓት ፀገማት ከምዘለው ንምዕዛብ ዕድል ረኺቡ እዩ።






