ብሰንኪ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ልዕሊ 10 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዕንወት ኣጋጢሙ-ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ

ግግ

ብሰንኪ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ልዕሊ 10 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዕንወት ኣጋጢሙ-ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ

ኣብ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ልዕሊ 10 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዕንወትን ክሳራን ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ከምዝበፀሐ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣረጋጊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን የማነ ዘርኣይ ሎሚ ንመራኸቢ ማዕኸናት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣብ ከይዲ ኵናት ናይ ዘጋጠመ መጠን ማሕበረ ቁጠባዊ ዕንወትን ኪሳራን ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ኣብ ዘፈራት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ትካላት፣ ቅርስን ማሕበራዊ ፀጋታትን ኣተኵሩ ዝቐረበ መፅናዕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘማሓድሮም ከባቢታት ብዝተገበረ ዳህሳስ ዝተኣከበ ምዃኑ እቶም ኮሚሽነር ኣረዲኦም።

እቲ መፅናዕቲ :- ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ፣ ስርዓት ጥዕና ፣ ሓድግታት፣ ታሪኻዊ ህንፃታት ፣ ስራሕቲ ኢደጥበብን ታሪኻዊ ናውቲታትን ካብ 38 ክሳብ 56 ሚእታዊ ዕንወት ከምዘብፀሐ ብምግላፅ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕዎ ኣሎ። Read more…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *