መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ከም ዝፈትሐ ፖሊስ ገሊጹ

03525670 33aa 11f0 8419 e5ac90adfe34.jpg

መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ፈቲሑ ብሸነኽ ዓዲዃላ-ራማ ናብ ትግራይ ከም ዝሰደደ ፖሊስ ዞባ ማእከል ትግራይ ገሊጹ። ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ትግራይ ኮማንደር ጸጋይ ኣስፍሃ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ሰባት ዳርጋ ኵሎም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩን ትሕቲ 45 ዕድመ ዝዀኑን እዮም።

እቶም ሰባት ገሊኦም ምስ ኤርትራውያን ተዋሲቦም ዝተዛመዱ ኰይኖም፡ ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ኤርትራ ጥሪትን ንብረትን ኣፍርዮም ይነብሩ ከምዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የመልክት።።እቶም ዝነውሐ ዝተኣስሩ፡ “ኣርባዕተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ዝተኣስሩ፡” ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ኮማንደር፡ 272 እሱራት ከም ዝነበሩን ዝተረፉ ከም ዘለዉ ከም ዝገለጽሉን ሓቢሩ።

ንዅነታት ማእሰርቶም ኣመልኪቱ ድማ፡ “ገሊኦም ብስልኪ ተጸዊዕና ናብ መምሕዳር መጺእና፣ ገሊኦም ከኣ ትጥርጠሩ ኢኹም ንድሕነትኩምን ሓደጋ ከይበጽሓኩምን ተባሂልና፡ ሽዓ ምስ ኣተና ዝሓተተና ሰብ የሎን፡” ከም ዝብሉ ገሊጹ። Read more…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *